ቪላ ቪክቶር ንዓኻ

ቪላ ቬክቶር አብ ኦዉሉ ከተማ ዝርከብ ኮይኑ ናይ ዝተፈላለየ ባህልታት መራኽቢ ማእከል እዩ። ዝተፈላለየ አገልግሎታት ንወጻእተኛታትን ከምኡ ዉን አብዚ ከተማ ንዝቅመጡ ሰባትን ብነጻ ንህብ ኢና። አብ ቪላ ቪከቶር ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ምኸርን ሐበሬታን ንዝተፈላለየ ጉዳያት አገልግሎት ከትረከብ ትኸእል ኢኻ። አባና ዝተፈላለየ ቋንቋ ፊንላንድ ኮርስታት ክትማሃር ትኸእል ከምኡውን ብቋንቋ ትግርኛ ሐበሬታን ብ10 ዝተፈላለየ ቋንቋታት አገልግሎት ከትረከብ ትኸእል ኢኻ።

 

 

ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ሐበሬታ

አብ ቪላ ቪከቶር ወሃቢ ሐበሬታ ካብ 10 ንላዕሊ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ሐገዝ አብ ኦውሉ ከትረከብ ትኸእል ኢኻ።  ክምኡ ውን ብዛዕባ መነባብሮ ፊንላንድ ዝምልከትን ብአካል ብምምጻእ፣ብቴሌፎን ከምኡውን ብዋትስአኘ(WhatsAppi) ተወከሰና። 

 

ናባና እትውከሰና ንአብነት

. ሐገዝ ምስ እትደሊ ብዛዕባ ዶከሜንትታት፣ፎርምታት ወይ ከአ ቆጸራታታት ዝምልከት፣

. ተወሳኺ ሐበሬታ ምስ እትደሊ ብኸመይ ጌርካ ትምህርትኻ ትቅጽልን ከምኡውን ስራሕ ከምትደልይን አብ ኦውሉ፣

. ብኸመይ ጌርካ ሐዲሽ መዘናግዒ ወይከአ አብ ነጻ ጊዜኻ  እትገብሮ ንጥፈታት ትረከብ ፣

. አብዚ ቀረባ እዋን ንኦውሎ ወይከአ ንፊንላንድ ዝመጻኻን፣ ዝቀየርካን እንተኾንካ ሐገዝ ምስ ትደሊ፣

. ወይ ከአ ኩነታት ሂወትካ ሐገዝ እትደልየሉ እዋን ምስ ዝኸውን፣

ሐበሬታ ከትረከብ ብቋንቋ ትግርኛ ብዘይ ቆጸራ ወይከአ አቀዲምካ ቆጸራ ከትሕዝ ትኸእል ኢኻ። ውሃቢ ሐበሬታ ክሕግዘካ እዩ ወይ ናብ ዝምልክቶ አገልግሎት ከሕብረካ እዩ፦ ብቴሌፎን ወይ ዋትስኣፕ  (WhatsApp) ከትድውል ትኸእል ኢኻ፣ ቁጽሪ ቴሌፎን 040 586 1724 ናይ ትግርኛ ወሃቢ ሐበሬታ አብ ኦውሉ 10  አለካ (Torikatu 10) ሶኒ፣ ካብ ሰዓት14:00 –16:00 ብዘይ ስከፍታ ተወከሰና።

ናይ ቋንቋ ፊንላንድ ትምህርቲ

አብ ቪላ ቪከቶር ናይ ቋንቋ ፊንላንድ ትምህርቲ ብዝተፈላለየ ደረጃታት ንጀመርትን ንዝሰጎሙን ብዘይ ምቁራጽ ንህብ ኢና።  ካብ መባእታ ደረጃ ኮርስ ንተመሃሮ  ቅድሚ ሕጂ ድሕሪ ባይታ ናይ ቋንቋ ፊንላንድ ትምህርቲ ዘይነበሮም ዝኸውን እዮ ።እዚ መባእታዊ ኮርስ ከምኡ ውን ንጀመርቲ ኮርስ 1 ንዝቅጽል ኮርስ 2 ብአካል አብ ክፍሊ እዩ ዝወሃብ። ብቋንቋ ፊንላንድ ንዝሰጎሙን ኮርስ ከምኡ ውን ሐፈሻዊ ናይ ቋንቋ ፈተና (YKI) ልምምድ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ እዩ ። ኮርሳት ዝወሃበሉ ናይ ትምህርቲ ሰዓታት አብ ናይ ቋንቋ ፊንላንድ ወይ ብእንግሊዘኛ መርበብ ሐበሬታ ዘሎ ተኸታተል ።

አማኻሪ

 እዚ ምኸሪ ዝረኸቡ ሰባት ስራሕ ዘይብሎም ወይከአ ስራሕ ዘሎዎም ምሁራት ብውሕዱ ቁሩብ ቋንቋ ፊንላንድ (B1ደረጃ) ንዝኸእሉ ወጻእተኛታት እዩ።

ናይዚ ምኸሪ ዕላማ ንወጻእተኛታት ናይ ሞያ መርበብን ናይ ፊንላንዳዊያን ስራሕ ሂወትን ልምድን ብዕምቆት አፍልጦ ንምሃብ እዩ።

ብዛዕባ እዚ ምኸሪ ዝምልከት ተወሳኺ ሐበሬታ አብ ናይ ቋንቋ ፊንላንድ መርበብ ከተንብብ ትኸእል ኢኻ።

መደብ ሐበሬታ

ወርሐዊ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝተተርጎመ ነዳልው ኢና።ዝተፈላለየ ዛዕባታት ንወጻእተኛታት ዝጠቅም ሐበሬታ ንህብ ኢና ። ንአብነት ካብቲ አርእስቲ ብዛዕባ ትምህርቲ ዕድላት አብ ኦውሉ፣ መነባብሮ ወይ ከአ ብዛዕባ ቤት ንባብን ናይ ስፖርት አገልግሎታት አብ ኦውሉ። ብዛዕባ እቲ ዝውሃብ ሐበሬታ አብቲ ናይ ሐበሬታ ገጽ አቲኻ  ብቋንቋ ፊንላንድ ወይ ከአ ብእንግሊዘኛ ብዝበለጸ ከትሪኦ ትኸእል ኢኻ።

መደባት

ቪላ ቪከቶር ምሉእ ዓመት ናይ ዝተፈላለየ ባህልታት መደባት የዳሉ እዩ፣ ንአብነት መደብ welcome to Oulu, Oulu at your service, Värikäs Ravintola ወዘተ። ብዛዕባ እቲ ዝውሃብ ሐበሬታ አብቲ ናይ ሐበሬታ ገጽ አቲኻ  ብቋንቋ ፊንላንድ ወይ ከአ ብእንግሊዘኛ ብዝበለጸ ከትሪኦ ትኸእል ኢኻ። ብደሐን ምጻእ ናብዚ መደባት!

ተወከሰና

ንህልው ሐበሬታ ብ ናይ ቪላ ቪከቶር ማሕበራዊ መድያታት ወይ ከአ አብ መርበብ ሐበሬታ ብቋንቛ ፊንላንድ ወይ ብእንግሊዘኛ ከትውከስ ትኸእል ኢኻ፣ንተወሳኺ ሐበሬታ ናብ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ወሃቢ ሐበሬታ ተወከስ።

Sijainti kartalla: Oulu10, Torikatu 10